ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ድምጻዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ዘሰንበዶ ስሙ ዝረሳዕክዎ ገጣሚ ኣብ ዕለተ ቀብሩ ” ወርቂ ትፍሕሮ እምበር ከመይ ቢልካ ትቐብሮ፧” ክብል ብዘደንቕ ኣገላልጻ ብግጥሚ ስምዒቱ ገሊጹ ኔሩ። ተራን ኣበርክቶን ስነ ጥበብ ምስቲ ክቡር ማዕድን ብምውድዳር ድማ ንላዕሊ ምውጽኡ እምበር ንታሕቲ ምቕባሩ ዘለዎ ክሳራ ኢዩ ኣንፊቱልና።
ብዝኾነ ሎሚ እቶም ዘለውና ድንቂ ዝኾኑ ስነ ጥበባውያን ድማ ብሂወቶም ከለው ብሰንኪ ኣጉል ዝኾነ ስምዒት ዝሳዕረሮ ፖለቲካዊ ግንዛቤ ኣብ ምጉናዮምን ምዝላፎምን ወፊርና ኣለና። ዓገብ!! ንሶም ጸጋና ኢዮም። ኩሉ መሰረት ፍቶትና ይኹን ጽልእና ትሕዝቶ ጥበቦም ጥራሕ ክኸውን ምተገብአ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣዝዮም ዝድነቑ ብዙሓት ዓበይቲ ስነ ጥበባውያን ኔሮምን ኣለውን ኢዮም። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ኣብ ታሪኽናን ናብራናን ስምብራቶም ዘንበሩ እሞ ብኽብሪ ዝዝከሩ ከም ኣቦና ኣቶብርሃን ሰጊድ፡ ተኽለ ተስፋዝጊ፡ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ትካቦ ወልደማርያም፡እድሪስ መሓመድ ዓሊ፡ ቪቶርዮ ቦሲ፡ የማነ ገ/ሚካኤል (ባርያ)፡ ዑቕባጋብር ገብረትንሳኤ፡ ኣብራሃም ኣፈወርቂ፡ ኣዴታትና ኣምለሰት ኣባይ፡ ጸሃይቱ በራኺ፡ ተበርህ ተስፉሁነይን ገለ ካብቶም ብሂወት ምሳና ዘየለው ክኾኑ ከለው ከም በዓል ኣቦና በረኸት መንግስትኣብ፡ ዑስማን ዓብደሪሒም፡ ኣብራር ዑስማን፡ ተስፋይ መሓሪ( ፍሒራ)፡ ዮውሃንስ ትካቦን ካልኦት መናእሰይን ክንጠቅስ ንኽእል።
ኣብዘን ዝሓለፈ 29 ዓመታት ካብ ዝፈረዩ ስነ ጥበባውያን ሃገርና እቲ ጥርዚ ዝደየበ ኮኾብ የውሃንስ ትካቦ ኢዩ በሃለይ ኢየ። ድምቀቱ ንምግላጽ እምበር ህላወ ናይ ካልኦት ኣዝዮም ንፉዓት ስነጥበባውያን ንምኽሓድ ግን ኣይኮነን ዕላማ እዚ ጽሑፍ።
ወዲ ትካቦ ብዕሸሉ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሳዋ ወሪዱ ኣብ ታዕሊም ኣብ ዝነበረሉ እዋን “ሰውራዊት ኣንሶላይ” ዘርእስታ ደርፊ ኣፍርዩ ኔሩ። መንእሰይ ኮይንካ ገድሊ ኤርትራ ከይወፈርካዮ ብስእላውን ወካልን ዝኾነ ኣገባብ ምግላጽ ካብቶም ተጋደልቲ ደረስቲ እምበር ካብ ካልእ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ኮይኑ ግን ብተኣምር ጥበቡ ታሪኽ ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ በታ “ሰውራዊት ኣንሶላይ” እትብል ደርፊ ብዝግባእ ኣዘንትዩልና። ልቢ ዘንቀሎ ጥበብ ምንባሩ ሎሚ ነቲ ደርፊ ሰሚዕካ ምምስካር ይከኣል ኢዩ። ገለ ካብ ትሕዝቶ ግጥሚ እታ ደርፊ፡
“ሰውራዊት ኣንሶላይ”
“ላዕልን ታሕትን ኢለ፡ ዓቕለይ ጸቢቡኒ
ጎነይ ጠሚተዮ፡ ሓመድ እምኒ ጸቒጡኒ
ፍልሖ ብሉዕ ስጋይ፡ ወረርቲ በዚሖምኒ
ቁሊሕ ኢለ ጠሚተ ብሓቂ ኣኹሪዓትኒ
ካብ ነዊሕ ዘመን ኢየ ዝፈልጣ ካልአይተይ
ወትሩ ትርእስቲ ኢያ ኣይትፍለን ካባይ
ሕብራ ተቐይሩ ተረማሚሳ ከማይ
ክውደብ ዝተወሃብክዋ ሰውራዊት ኣንሶላይ።
ክብል ሰሚዐዮ ነቲ ስውእ ጅግና
ብሕልሚ ለይተይ’ዩ ደቂሰ ኣብ ዓራትና
ለካ ከምዚ ኔሩ ህቡብ ኢዩ ዝናኺ
ሰውራዊት ኣንሶላይ ምስጋና ይብጻሕኪ።”. …………
እንዳ በለት ኢያ ትቅጽል። ትሕዝቶ ግጥማን ህርመታን ወዲ ትካቦ ምስታ ኣንሶላ ፍርቂ ዕምሩ ዘሕለፈ እምበር ብማዕዶ ዝፈልጣ ኮይኑ ኣይስምዓካን። ትርግታ ልቢ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ተጋደልትን ኩሎም ኣሰር ኣያታቶም ክወርሱ ሳዋ ንዝወረዱ ተዓለምትን ድማ ሰሊባ ኔራ። ደሓር እኳ ንሱ ውን ከም ኩሎም መሳትኡ ኣርኪቡላ፡ ብግብሪ ውን ተጎልቢብዋን መውጋእቱ ጀኒኑላን ኢዩ።
ሃገራዊ ፍቕሪ ኣብ ልቡ ብኣጋ ዝሓደሮ ዮውሃንስ ኣብኡ ጠጠው ኣይበለን። ሃገረይ ንመኖም ተፍቅሪ፡ ውረስ፡ መናእሰይ፡ምንባር ኢዩ’ቲ ምስጢር፡ መርሃዊ፡ ተላሊና ዶ ዓርከይ፡ምዕራፍ፡ ተባዕ ጓሳ፡ ይገርመና’ሎ፡ እምኒ ዓረ፡ጽምብላሊዕ፡ ዋርሳይ ገዲም፡ ባንዴራይ፡ሓድነት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሰሚዕካ ዘይጽገቡ ፍቕሪ ሃገርን ሃገራውነትን ዝማእከሎም ደርፍታት ኣበርኪቱልና ኢዩ።እቲ ፍቅርን ባህልን ዝሕመረቱ ማሕበራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እሞ ክንደይ ክንብሎ። “#ወዲሃይለ ሰባሪ ዓታሩ” ንዓኻ ድዩ ደሪፉልካ ድኣ ክንድዚ ትብሉ እኮ ኣበይ ክትስኣኑ ኢልኩም ግን ጥበብ ወዲ ትኳቦ ሓፋሽ ዝምስክሮ ሓቂ ስለ ዝኾነ ስኽፍ ዘብል ኣይኮነን። 😂😂😂
ፍሉይነት ፓለቲካዊ መርገጺ ደቂ ሰባት ከም ንቡር ከይቆጸርና ጥፍኣት እምበር ልምዓት ክንርኢ ኣይኮናን። ስለዚ ንሱ ከም ንቡር ወሲድና ነቶም ጸጋታት እዛ ሃገር ዝኾኑ ኣብ ኩሉ ሞያ ዝነጥፉ ዜጋታት ምሕብሓብን ምኽባርን እምበር ካልእ ኩሉ ምርጫ፡ መንገዲ ዕንወት ኢዩ።
ኣብራር ዑስማን እኮ ኣብ 1998 ዝበለጸ ኤርትራዊ ኣልቡም ብምስርሑ ኢዩ ራይሞክ ተሸሊሙ። ኣበይናይ ደምበ ምንባሩ ግን ካብ ጥንቲ ንጹር ኢዩ። ሃገራዊ ክብርና ምዃኑ ግን ኣይተረፎን። ኩርዓት ጥበብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኢዩ።
በረኸት መንግስትኣብ ውን በብእዋኑ ካብን ናብን ውድባት ተሰጋጊሩ ኢዩ። ኤርትራዊ ጸጋ ምዃኑ ግን ኣይተርፎን ኢዩ። እቲ ኮኾብ የማነ ባርያ ውን ኤርትራውነቱ ኣብ ቃልሲ ምስ ተ.ሓ.ኤ. ድሒሩ ድማ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ሃገራውን ማሕበራውን ዜማታት ብምፍራይ ኢዩ ሰማይ ሰቒልዎ። ኣባልነት ናይ ውድቡ ብዘየገድስ ሓፋሽ ጥበቡ ስለ ዝስዓቦ ድማ ከም ክብርናን ኮኾብናን ኮይኑ ኣብ ልብና ይነብር ኣሎ።
ዮውሃንስ ትካቦ ድማ ኣብ ግዜና ካብዞም ዝጠቐስናዮም ስነጥበባውያን እንተ ዘይዛይዱ ዘይንእስ ዘገርም ጥበብ ኣውሒዙ ጉዳይ ሃገርናን ማሕበራዊ ሂወትናን ብዜማታቱ ሰኒዱልና ኢዩ።
ስለዚ ስነጥበባውያን በቲ ዘፍረይዎ ትሕዝቶ ተተመዘኑ ዝሓሸን ቁኑዕን ኢዩ። ሕብረተሰቡ ከማእዝን ዝተረድኦ ነገር ከቕርብ ነውሪ ዘለዎ ኣይኮነን። ሎሚ ኣጣቕዕ ከሪምካሉን ልዕሊ ኩሉ ሰብ ሰማይ ኣዕሪግካዮን ጸኒሕካ ድሓር ዝተፈልየ ርድኢት ኣማዕቢሉ ንዕኡ ዝምልከት ስራሕ ክሰርሕ ከሎ ድማ ሃንደበት ከም ዕሉል ጸላኢ፡ ጸሎሎ ክትቐብኦ ምፍታን ግን ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን። ብመሰረቱ ውን ሃገራዊ ዓቕምታትና ዘዳኽምን ወቕታዊ ዝኾነ ባህርያትና ዘንጸባርቕን ኢዩ። በብመድረኹ ዘፍርይዎም ደርፍታት ግን ትሕዝትኦም መሰረት ብምግባር ክንቀፉን መዛረቢ ዛዕባታት ክኾኑን ንቡር ኢዩ። ኣብቲ ዝድህስስዎ ኣርእስቲ እምበር ኣብቶም ሰባት ተዘይዘተና ድማ ልቦና ኢዩ።
ንምዝኽኻርን ንምስትምቓርን ገለ ካብቲ ብዙሕ ወትሩ ባህ ዝብላኒ ክፋላት ግጥሚ ወዲ ትካቦ ትሕት ኢልኩም ተወከሱ፡
“ተላሊና ዶ ዓርከይ”
ዕላማና ወሲድና ናብቲ ዘይውሰድ
ኣሕሲብና እቲ ዘይሕሰብ
ተፈቲና ብኽልተ
በቲ ስድራ፡ በቲ ሰውራ
በቲ ሓራ፡ በቲ ንሓራ
ነብስን ስጋን ክፈኻኸራ፡ ሓያል’ዩ ሰውራ።
እቲ ሓደ ቀታል ሓርነት
እቲ ሓደ ፈጣር ሓርነት
እቲ ሂወት ኣብ ክልተ ተቃቂሩ
ኣብ መንጎ ከርተትን ምቾትን
መንጎ ቀዝሕን ሙቆትን
ሞንጎ ዝቀትል ሂወትን ዝምሕር ሞትን”
መርሃዊ
“…ዛንታ መጻኢ ክዕረ
ዓንዴል ጨሊጥዎ ዕረ
ዕረ ጨሊጡ ንመዓር፡
ሓርበኛ ሓየት’ዩ በሃር
(ህጻን) ገዲፉ ዝገሸ
ልዕሊ ብረቱ ኮረሸ
ኩሉ ገዲፉ ንሃገር
ሃገር ገዲፉ ንጠፈር
ሰማይ ሰማያት ዓዲ ውፉያት
ንህዝቢ፡ ፈጣሪ ሂብዎ ዓስቢ
ናጽነት ዓቢ።…….”
ብክፋላት እምበር ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዝግለጽ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ብዝኾነ ስምዒተይ ክገልጽ እምበር ብኸምዚ ኣማራሲሕካ ዝግደፍ ስራሕ ኣይኮነን ኣፍርዩ ወዲ ትካቦ። ስለ ዝኾነ ድማ ከምቲ እቲ ገጣሚ ዝበሎ ዮውሃንስ ትካቦ ካብቶም ብዙሓት ሓደን ቀንድን ወርቂ ጥበብ ኤርትራ ኢዩ እሞ ከም ወርቂ ምፍሓሩ እምበር ምቕባሩ ከየኽስረና ምጥንቃቕ የድሊ ኢለ ክዓጽዎ።
ሰሰናዩ!!
የማነ ሃይለ
ነሓሰ 2020 ካምፓላ