About

ካብ ብዓንተቦኡ፡ ክዋሳእ፡ ክጽሕፍ፡ ክደርፍ ወዘተ ዝብል ድፍኢት ነበረኒ። ብውሱን መጠኑ ይፈታትኖ’ኳ እንተ ነበርኩ፡ ጽቡቕ ዕድል ዝገጠመኒ ግን ኣብ 2000 ዓ.ም ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝነበርክሉ እዩ። ብማሕበር ተመሃሮ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ እትዳሎ “ማሕታ” ዝሰመናያ ብሕታዊት ጋዜጣ ንምድላው በቓዕና፣ ክልተ ሕታማት ምስ ኣሕተምና ግን ተቘጽየት። ኣብቲ ሞያ ናይ ምዕባይ ተረኺቡ ዝነበረ ዕድል ድማ ፈተና ገጠሞ።
ኣብ ግጥሚ ካብ ዝነበረኒ ግዳሰ ነቒለ መጽናዕታዊ ጽሑፈይ ፡ “The Use of Metaphor and Smile in ‘ዋዛ ምስ ቍውምነገር ንትንሳኤ ሃገር’ a book by Dr. Russom Haile (2002)” ኣብ ዝብል ገበርኩዎ። ቅድሚ ትምህርቲ ምውድአይ ኣትሒዘ – ካብ 2000 ክሳዕ 2006 – ኣብ ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ው.ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክፍሊ ዜናን ህዝባዊ ሓበሬታን ከም ጋዜጠኛ ሰሪሐ። ብኡ ኣቢለ፡ ኣብ ርእሲ ምድላው ሰነዳውያን ፊልምታት ናብ ስራሓት ፊልም ሃገርና ብምልጋስ’ውን ሙዚቃዊ ቪድዮታን ፊልምን ከፍሪ ከኣልኩ። እዚ ጅማሮ’ዚ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከይበጽሐ ግን በቲ ኣብቲ እዋናት ዝተፈጥረ ኵነታት ተቘጽየ።
ኣብ ዝተፈላለያ ወተሃደራውያን ኣብያተ ማእሰርቲ (መትከል ኣብየት፡ ሳዋ፡ ዊዓ. . .) ተዳጒነሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን፡ ተደጒሉ ዝነበረ ግጥሚ ናይ ምጽሓፍ ባህገይ ክወጽእ ጀመረ። ከምኡ እናበልኩ ድማ ናብ ሰማዕቲ ዝበጽሓ ከምእኒ “ክኣልዮ፡ ማቻ፡ ኢደይ ሂበ. . .” ዝኣመሰላ ሕደማታት ከፍሪ ከኣልኩ። እንተዀነ፡ ስደትን ኣራኽቦ ምስኣንን ከም ዝደልዮ ክብርብሮ ኣይከኣልኩን – ኣብ ከም ፌይስቡክ ዝኣመሰለ ምሕንጣጥ እኳ እንተ ዘይገደፍኩ። ናይ ጽሑፍ ነገር ኣይገድፈካ ኣይትገድፎ እዩ’ሞ፡ ኣብዚ ብሎግ ድማ ሓደ-ሓደ ምባል ኣይተርፍን።