ንእስነተይ

ፍጥር ክብል ኣብ ጎኒ ሃልሃልታ
ጥምቀት ኣጸንቢለ ብመዳፍዕ ሂምታ፡
ፈለማ ልደት ውን ሓዞሓዞ ኔሩ
ፍትሕን ዓመጽን እንዳተኸራኸሩ
ውልድ ክብል ጽዋይ ከምኡ ኔሩ።

ኣብ ልምምድ ታተ፡ ኣብቲ ምትካል እግሪ
ዓዲ ተጎቢኣ ብሓሽከት ፈካሪ
ሳንጃ ምስ ጠበንጃ ዘካታተ ዕጥቆም
ኣደይ ምቕሳን ኣብያ ነናሻዕ ክትርእዮም።

ኩቦ ደርቢያትላ፡ ጠንጢናታ ዓዲ
ኪዳና ምንዳይ ጀሚራ መንገዲ።
ገርሂ ልበይ፡ ሓጎስ ፍንጭሕ ኢሉ
ድምጺ ኣልቦ ስፍራ፡ ድምጸይ ዘስምዓሉ
መሲሉኒ’ሲ
ዘይፈልጦ ክንሰይ ታህዋኽ ወሲኸሉ።

ሃሳስ ዝኽሪ!
ሓንሳብ ኣብ ዝባና: ሓንሳብ ብመጽዓኛ
ጥይት እንዳፋጸየ ጉዕዞና ኣሰንዩና።
በጺሕናዮ ስፍራ’ቶም ዘንቀሉ
ደጀን ሰለማውያን፡ ጸረ’ቶም ተዃሉ።

ግን ዘይከም ትጽቢትና፡
ድሕሪት ተሪፉ ዝበልናዮ ድምጺ
ሳሕቲ ዝነበረስ፡ መዓልታዊ እፋጺ።
ለሚድናዮ በቃ፡ መዋዕልቲ ኮይኑ
ኩሉ ተተኪኡ ደወሉ ኣዛኑ።

ከምኡ ኢለ ጎቢዘ፡ እዝነይ እንዳደንዘዘ
ቶኽሲ ወዲ ቶኽሲ ተራ ነገር ኮይኑ
ካብ ፍርሒ ሓሊፉ’ሲ መጻወቲ ኮይኑ፡
ጀሚርና ክንጽበ ንድምጹ፡ ኣጽኒዕና እዋኑ።

ዓኹኽና ከምዚ ኢልና፡ ሃገር ሓራ ኮይና
ቃልሲ ምንባሩ ውን ከም ስውጥ ኢሉና፡
ልቢ ሰኹዕና’ሲ ከኽትም ጸሊና።
ግን ምቅሃም ኣብዩ፡፡
ንሱ ምሳና፡ ንሕና ምስኡ
ከም ወልፊ ጸሚድና።

ሎሚ ውን፡
ኩናት ወረ ኩናት ህጣሙ ሃዲሙ
ኢልና ከይነውግዕ’ሲ እንሆ ተደጊሙ
ደበናታት ኩናት ኣብ ቤትና የዒሙ፡
ንእስነትና ኣብልዩ’ስ፡ እርጋና ሓሊሙ።

የማነ ሃይለ
ግንቦት 2019

Eritrea@28

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *