ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ፡ እዚ ግዜ ተጠንቂቕኩም ትሓልፍዎ ክትህልው ተስፋ ይገብር። ምኽሪ ሰብ ሞያ ዕሽሽ ዘይምባል ቀዳማይ መፍትሒ ኢዩ’ሞ ሓደራ!። ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽር ኢለ እምበር ዘምጽኣኒ ካልእ ኢዩ።
ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ Facebook ጽልኢ ዝነዝሑ ሰባት ሳዕሪሮም ቀንዮም ኣለዉ። እንታይ ከምዝረብሕሉ ሓሲብና ዋላ ክንበጽሖ ኣይከኣልናን። ግደፍ ተታፋኒንካ ተሳኒኻ ውን ምንባር ኣብ ዝኸብደሉ እዋን፡ ነገር ክትጽሕትር መሬት ክዓርበካ ከሎ ናይ ምንታይ መርገም ይብሃል፧
ኣብ ጽልእን ቅርሕትን ተጸሚድካ ንዓኻን ንህዝብን ክንዲ ፍረ ኣድሪ ረብሓ ኣብ ዘይብሉ ነገራት ግዜኻን ጉልበትካን ክትጽንቅቕ ዘሕንኽ ኢዩ። ከምኡ ብምግባርካ ዝጉዳእ እምበር ዝረብሕ ዋላ ሓደ ፍጡር እኮ የልቦን። ወትሩ ዝኸሓነ ጽልኢ እንዳ ጸወና ኣእምሮ ሰብ ኣይነመርት። ኣብ ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ፓለቲካዊ መስመርን እምበር ኣብ ጽልኢ ዝህነጽ ውዳበ ዕንወት ምዃኑ ከመይ ይስወረኩም።
ኣስላማይ ወይልኻ ዝብል ፈኸራ ሒዝካ ውጥም ቅልቅል፡ ክስታናይ ድማ ሓዝኩኻ እንዳ በልካ ማይ ዘይቋጽር ዘረባ ኣበይ ኢዩ ከብጽሓኩም። ቅንጣብ ኣብ ዘይምልከትካ ሃገር፡ ሰብ ብምዃንካ ጥራሕ ተቐቢሉ ብሰላም ናይ ምንባር መሰልካ እንዳ ሓለወልካ፡ ንስኻ ግን ብርሕቀት ዘይትስሕኖ ሓዊ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ወይ ውን ኣብ ደቂ ዓድኻ ከተሳውር ህርድግ ትብል ዘለኻ እንታይ ዓስቢ ኮን ደሊኻሉ ኢኻ/ኺ።
ዓድን ዓውድን መሰረት ህላወኻን ሓይልኻን እምበር ጠንቂ ሽግርካ ኣይኮነን። ኮይኑ ውን ኣይፈልጥን። ኣካል በዚ ናይ ዝነቕሉ ኩሎም ዓይነት ግጭት ምስ እትኸውን ድማ መርኣያ ኣዝዩ ትሑት ናይ ምግንዛብ ዓቕምኻ ምዃኑ ክስወጠካ ይግባእ።
ጠንቂ ሽግርካ ምልላይ፡ ቀዳማይ መፍትሒ ሽግርካ ምዃኑ ዘክር እሞ፡ ዘይሽግርካ ክትፈትሕ ካልእ ሽግር ንኸይትፈጥር ክሕግዘካ ኢዩ!!
እቶም ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጡፋት ጸሓፍቲ/ተዛረብቲ ድማ ህዝቢ መፍትሒ ሽግራቱ ዝኸውን መደባትኩምን ውዕሎኹምን ክፈልጥ እምበር እቲ ጽልኢ ዘስተምህር ዝኸሓነ ዛንታታት ኣይንታዩን ምዃኑ ተገንዚብኩም ንትርግታ ህዝብኹም ዝምጥን ጽሑፍ/ዘረባ ከተቕርቡ ፈትኑ።
ካልኦት ብምስይጣን መልኣኽ ኣይክወንን ኢዩ እሞ፡ ኣባይ ንዝበልካዮ ኣመና ብምስይጣን ዘይኮይነስ ነብስኻ ብምስልጣን ንዝብጻሕ ብራኸ ንጽዓር። ኣእዳውና ናብ ካልኦት ብምውጥዋጥ ዝፍታሕ ሽግር የብልናን። ናብ ውሽጥና ነድህብ። ናይ ኩሉ መፋትሕ ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና።
ሰናይ ቀዳመ ሰንበት!!!
የማነ ሃይለ
