Home

ኣብዚ ብሎግ’ዚ፡ ካብ ተጓንፎ ህይወት ዝፈልፈሉ ኣስተብህሎታት፡ ድማር ተመኵሮ ዝወለዶም ነጸብራቓትን ርእይቶታትን ብመገዲ ዓንቀጻት ኰነ ግጥምታት ይቐርብ። እና’ዛነዩ ዘውክኡ፡ እና’ስሓቑ ዘስተንትኑን ዝቕይዑን ክዀኑ ድማ እትስፎ።.

  • ንእስነተይ
    ፍጥር ክብል ኣብ ጎኒ ሃልሃልታጥምቀት ኣጸንቢለ ብመዳፍዕ ሂምታ፡ፈለማ ልደት ውን ሓዞሓዞ ኔሩፍትሕን ዓመጽን እንዳተኸራኸሩውልድ ክብል ጽዋይ ከምኡ ኔሩ። ኣብ ልምምድ ታተ፡ ኣብቲ ምትካል እግሪዓዲ ተጎቢኣ ብሓሽከት ፈካሪሳንጃ ምስ ጠበንጃ ዘካታተ ዕጥቆምኣደይ ምቕሳን ኣብያ ነናሻዕ ክትርእዮም። ኩቦ ደርቢያትላ፡ ጠንጢናታ ዓዲኪዳና ምንዳይ ጀሚራ መንገዲ።ገርሂ ልበይ፡ ሓጎስ ፍንጭሕ ኢሉድምጺ ኣልቦ ስፍራ፡ ድምጸይ ዘስምዓሉመሲሉኒ’ሲዘይፈልጦ ክንሰይ ታህዋኽ ወሲኸሉ። ሃሳስ ዝኽሪ!ሓንሳብ …
  • ካልኦት ብምስይጣን መልኣኽ ኣይክወንን ኢዩ።
    ዝኸበርኩም ደቂ ኤርትራ፡ እዚ ግዜ ተጠንቂቕኩም ትሓልፍዎ ክትህልው ተስፋ ይገብር። ምኽሪ ሰብ ሞያ ዕሽሽ ዘይምባል ቀዳማይ መፍትሒ ኢዩ’ሞ ሓደራ!። ንእግረ መንገደይ ከዘኻኽር ኢለ እምበር ዘምጽኣኒ ካልእ ኢዩ።  ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ድማ Facebook ጽልኢ ዝነዝሑ ሰባት ሳዕሪሮም ቀንዮም ኣለዉ። እንታይ ከምዝረብሕሉ ሓሲብና ዋላ ክንበጽሖ ኣይከኣልናን። ግደፍ ተታፋኒንካ ተሳኒኻ ውን ምንባር ኣብ ዝኸብደሉ እዋን፡ ነገር ክትጽሕትር …
  • “ወርቂ ትፍሕሮ እምበር: ከመይ ቢልካ ትቐብሮ።”
    ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ድምጻዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ዘሰንበዶ ስሙ ዝረሳዕክዎ ገጣሚ ኣብ ዕለተ ቀብሩ ” ወርቂ ትፍሕሮ እምበር ከመይ ቢልካ ትቐብሮ፧” ክብል ብዘደንቕ ኣገላልጻ ብግጥሚ ስምዒቱ ገሊጹ ኔሩ። ተራን ኣበርክቶን ስነ ጥበብ ምስቲ ክቡር ማዕድን ብምውድዳር ድማ ንላዕሊ ምውጽኡ እምበር ንታሕቲ ምቕባሩ ዘለዎ ክሳራ ኢዩ ኣንፊቱልና። ብዝኾነ ሎሚ እቶም ዘለውና ድንቂ ዝኾኑ ስነ ጥበባውያን ድማ ብሂወቶም ከለው …